top of page

“ማቕ ተኸዲነን ኣብ ሓሙኽሽቲ ደቂሰን እናጾምኩ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣምላከይ እልምንን እምህለልን ነበርኩ” (ዳን9፡3)

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሕዱ አምላክ ኣሜን!



“ማቕ ተኸዲነን ኣብ ሓሙኽሽቲ ደቂሰን እናጾምኩ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣምላከይ እልምንን እምህለልን ነበርኩ” (ዳን9፡3)



ነቢይ ዳንኤል እቲ ዘመን ከም ዝቐረበ ካብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ  ኣብ ዘስተውዓለሉ ግዜ፡ ሓጢኣትና በዚሑ እቲ ዘመን ከይውስኽ ኢለ ማቕ ወይ ድማ


ዎጮ ተከዲነ ሓሙኽሽቲ ነስኒሰ ጾምኩን ጸለኹን፡ ንዓይ ውን ነዚ ከየርእየኒ ኢለ ጾምኩን ጸለኹን ይብል።




 ጸሎት ማለት ገጽካ ናብ ኣምላኽ ምቅናዕ ኢዩ ብካልእ ኣዘራርባ ምስ ልዑል እግዚኣብሔር ገጸ ገጽ ምዝርራብ እዩ። ንነቢይ ዳንኤል




ጸሎት ናይ ልማድ ተግባር ዘይኮነ ምስ ፈጣሪ ምርካብን ምምያጥን እዩ። ጠቢብ ሰሎሞን ንበተ መቕደስ ሰሪሑ ኣብ ዝውድኣሉ ወይ ኣብ ዝፈጸመሉ ግዜ ነዛ ጸሎት እዚኣ ጸልይዋ ነይሩ እዩ (1 ነገ 8፡46-49)።





“ሰብ ኮይኑ ዘይብድል የለን እሞ ህዝብኻ እንተ በደሉኻ ንስኻ ድማ ኮሪኻ ንጸላኢ ኣሕሊፍካ እንተ ሃብካዮም እሞ ናብ ርሑቕ ኮነ ወይ ናብ ቀረባ ወይ ናብ ሃገር  ወጻኢ ተማሪኾም እንተ ኸዱ ኣብታ ተማሪኾም ከይዶምዋ ዘለው ሃገር ኮይኖም እንተ ተጣዕሱ ኣብታ ተማሪኮም ከይዶማ ዘለው ሃገር ከኣ ሓጢኣት ገበርናን በደልናን ክፉእ ገበርና ኢሎም ናባኻ እንተ ተማህለሉ ኣብ ሃገር እቶም ዝማረኽዎም  ጸላእቶም እንከለው ብኹሉ ልቦምን ብኹሉ ነፍሶም ናባኻ እንተ ተመልሱ ናብዛ ነቦታቶም ዝሃብካዮም ምድሪ ናብዛ ዝሓረኻያ ከተማን  ናብዛ ንስምካ ዝሰራሕኽዋ ቤት መቕደስን ገጾም መሊሶም እንተ ጸለዩ ሽዑ ኣብ ሰማይ ኣብታ እትነብራ ኮይንካ ጸሎቶምን ምህለላኦምን ሰምዒካ ምሕረት ግበረሎም” (1ነገ 8:46-49)::




ሊቃውንቲ ቤተክርስቲያን ንናይ ነቢይ ዳንኤል ጸሎት ሊቃውንት ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ይኸፍልዎ፡፡



1, ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት (ዳን9፡4)



2, ኑዛዜ (ዳን9፡5-15)



3, ልመና (ዳን9፡16-19)



1, ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ምግላጽ፥ ዋላኳ እቲ ህዝቢ ኣብ መከራ እንተ ሃለወ ኢየሩሳሌም እውን እንተፈረሰት ቤተ መቐደስ ውን እንተተዘምተት ነቢይ ዳንኤል ኣብ እግዚኣብሔር ንዘለዎ እምነት ከም ዝጸንዐ እዩ። ኦ ጐይታይ ኣብታ ነቶም ዝፈትውካን ትእዛዛትካ ዝሕልውን ኪዳንካን ምሕረትካን እተጽንዓሎም ዓብይን እተፍርሕን ኣምላኽ ብምባል ንዘለዎ እምነት ገሊጹ፡፡ ኣባ ሄሮኒመስ ነዚ ክገልጽ እንከሎ “ነቢይ ዳንኤል ማቕ ለቢሱ ሓመድ ነስኒሱ ተስፍኡ ምሉእ ምእንቲ ክከውን ንእግዚኣብሔር ሓተተ። ነዚ ዝገበረ ነቲ ዝመጽእ /ናይ እስራኤል ምምላስ/ ስለ ዘይኣምን ወይ ድማ ተጠራጢሩ ኣይኮነን፡እንተኮነ ግና ድሒሩ ዝመጽእ ስርዓት ኣልቦንነት ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሔር  ዓመጻ ከይስዕብ ስለዝሰግአ እዩ”ይብል።





2, ኑዛዜ፥ ነቢይ ዳንኤል ብዛዕባ ናይቲ ህዝቢ ሓጢኣት ክገልጽ እንከሎ ንርእሱ ውን ካብኣቶም ሓደ ኣባል ናይ ፈጸምቲ ገይሩ እዩ፡፡ እዚ ሓቀኛ መራሒ ወይ ድማ መምህር ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝፈርድ ዘይኮነ ጾር ናይቲ ህዝቡ ሓቢሩ ዝስከም ምኻኑ የስተምህረና። “እተፍርህ” ብምባል _ ዝገለጾ “ትእዛዛትካ ንዘይሕልው ተፍርሆም ኢካ” ክብል እዩ። ልዑል እግዚኣብሔር ቃልኪዳንን ምሕረትን ዝሕሉ እኳ እንተኮነ ምእመናን ሓጢኣቶም ተናዚዞም ንርእሶም ድልዋት እንተዘይጌሮም ናይቲ ቃልኪዳን ተጠቀምቲ፡ ናይ ምሕረቱ'ውን ተሳተፍቲ ኣይኮኑን እዮም።




ነቢይ ዳንኤል ንምንታይ መቕጻዕቲ ወረደና ኣይበለን፡፡ እኳ ደኣ “ይግባኣና እሞ በዲልና ኢና” ኢሉ ነቲ ዝኾነ ተቐበሎ፡፡ ንናይ እግዚኣብሔር መቕጻዕቲ ይግበኣኒ እ ኢልካ ምቕባል እንበር ምምራር ምሕረት ኣየውህብን እዩ፡፡ እግዚኣብሔር ዝቐጽዕ ጨካን ኮይኑ ዘይኮነ ንሕና ስለዝበደልና እዩ።





“ሓጢኣት ጌርና ኢና”፥ ሰብ ሓጢኣት ክሰርሕ እንከሎ ውሉድ እግዚኣብሔ ምዃኑ ተሪፉ ውሉድ ሰይጣን ይኸውን እዩ። መድሃኔ ዓለም ክርስቶስ “ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኩም ዲያብሎስ ኢኩም፡ ትምኒት እቲ ኣቦኽም ከትገብሩ _ ኢኩም እትደልዩ ዘለኩም” (ዮሓ 8፡44) ብምባል ንኣይሁዳውያን ዝገሰጾም ነዚ እዩ።




“ኣቢስና ኢና”፥ እስራኤል ንእግዚኣብሔር ኣሕዚነሞ ሓጢኣት _ ብምስርሖም ንእግዚኣብሔር ኣሕዚኖሞ እዮም፡፡ ዝሰርሕ ዘበለ ኩሉ መጀመርያ ንእግዚኣብሔር እዩ ዝብድል። ልቢ ኣምላኽ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ “ንኣኻ ጥራይ ብደልኩ” (መዝ 51፡4) ኢሉ ዝጸለዮ ነዚ እዩ።





“ክፉእ ገበርና”፥ እዚ ማለት እስራኤል ጠባዮም፡ ግብሮም ዘይግቡእ ስለዝኾነ እዩ። ሕጊ ዝተዋህቦም፡ ነቢያት ዝተኣዘዘሎም፡ ቃል ኪዳን ዝተኣትወሎም ህዝቢ ኣይመስሉን፡፡




“ዓለና”፥ ዕልወት ልዕሊ ኩሉ ሓጢኣት እዩ። ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሔር ምትንሳእ ስለ ዝኾነ ፈጣሪ ህላዊኡ ከም ትርስዕ ይገብር ዕልወት እንተ ድኣ ሃልዩ ኩሉ ዓይነት ናይ ጣዕሳ ስምዒት ይጠፍእ፡፡




“ባሮትካ፥ ንነቢያት ባሮትካ ኣይሰማዕናዮምን፥ ብነቢያት ነጊርካና ኔርካ በዓል ኤርምያስ ኣስተምሂሮምና፡ ኣጠንቂቆምና፡ ኔሮም ግና ኣይሰማዕናዮምን እዚ ኩሉ ዝወረደና ብዘይ ምስምዕና እዩ።




“ኦ ጐይታ ንስኻ ጻድቕ ኢኻ” ኣብ ሞንጎና ጻድቅ ጠፊኡ፡ ንስኻ ጥራይ ኢኻ ሓቀኛ። ዘይበልካዮ ዘይተምጽእ ዝበልካዮ ከኣ ዘይተትርፍ ኢኻ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ኩሉ ሰብ ሓሳዊ እኳ እንተኾነ ኣምላኽ ግና ሓቀኛ እዩ” (ሮሜ 3፡4) ከም ዝበለ።





“እወ ጐይታይ ንሕና ንነገስታትናን መሳፍንትናን ኣቦታትናን ንበደልና ዘሕፍር ውን ገበርና”፥ ሓጢኣት _ የሕፍር ኣብ ኢድ ጸላኢ ውን ይድርብየካ ኣብ ኢድ ሓጥያተኛታት ውን ይድርብየካ። እዚ ኩሉ ዝመጸ ግና ብሓጢኣትና እዩ።




ንሕና  እኳ  እንተዓለና ንስኻ መሓርን ይቕረ በሃልን ኣምላኽ ኢኻ። ኦ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ንሕና ደሃይካ ኣይሰማዕናን፡ በቲ ብባሮትካ ነቢያት ጌርካ ዝነገርካና ሕጋጋት'ውን ኣይተመላለስናን።



ነቢይ ዳንኤል ከም ዝገለጾ እስራኤል በዲሎም እዮም እዚ ብክልተ መልክዕ ከግለጽ ይካኣል እዩ።




ሀ, “ዕልወት”፥ ካብ ሕጊ እግዚኣብሔር _ ምዕላው ካብ ሙሴ ጀሚሩ ብነቢያት ንዝተገልጸ ሕግን ስርዓትን ሓዲጎም ከም ኣህዛብ ውን ኮይኖም እዮም፡፡




ለ, “ቃል ናይ ነቢያቱ ኣይሰምዑን" በብዘመኑ ንዝተላዕሉ ነቢያት እምቢ ኢሎም ካብኡ ሓሊፎም'ውን ሃሪሞም ብመጋዝ ቆሪጾም ቀቲሎሞም እዮም ምክርን ተግሳጸን ከይተቀበሉን ተሪፎም እዮም፡፡




ነቢይ ዳንኤል ከም ዝገለጾ እስራኤል ዝበደልዎ በደል ዝኾነ ይኹን ምኽንያት ክህብሉ ዘይክእሉ በደል እዮም በዲሎም። ዝልምነካ ነዚ በድል ዝበደልዎ በዚ ምኽንያት እዩ ኢለ ከሓባብል ዘይኮነ _ ንስኻ መሓርን ይቕረ ብሃልን ብምዃንካ ከትምሕሮም ኢካ ኢለ እየ” በለ ነቢይ ዳንኤል።





“ስለዚ እቲ ብሕጊ ሙሴ ባርያ __ እግዚኣብሔር_እተጻሕፈ መርገምን ማሕላን ወረደና ኣቀዲምካ ተዛሪብካ ኢካ ብሃንደበት ዝኮነ ነገር የለን ንሕና ግና ስለዘይስማዕናካ ክትረክብዎ ኢኹም ዝተባህልናዮ በረከት ተሪፉ ክወርደኩም እዩ ዝተባህለ መዓት መጸና ብምባል ኢዩ። ኣባ ሄሮኒመስ “መርገም _ ወረደና ማለቱ በጃኻ ንኹሉ መዓትካ ኣይተፍስሰልና ኣይንክእሎን ኢና፡ ነገር ግና ንእሽተይ ጥብ ትብል ጥራይ ለኣኸልና ሽዑ ናብ መርበብካ ከንኣቱ ኢና ናባኻ ውን ክንምለስ” ማለቱ እዩ” ኢሉ ተርጒምዎ ኣሎ።




 አነ ግና ብብዝሒ ሳህልኻ ናብ ቤትካ ኽአቱ፣


ብፍርሃትካ ናብ ቅድስቲ መቕደስካ ኣቢለ ኽሰግድ እየ!{ መዝ 5፥7}




ብዝተረፈስ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ እምነት ናይ ኵሉ ሰብ ኣይኰነትን እሞ፡ እቲ ቓል እግዚኣብሄር ከምቲ ኣባኻትኩም ዚዀኖ ዘሎ ምእንቲ ኺጐይን ኪኸብርንሲ፡ ካብቶም ዓመጽትን እኩያትን ሰባት ክንድሕን ጸልዩልና።


 ግናኸ እቲ ዜጽንዓኩምን ካብ ክፉእ ዝሕልወኩምን ጐይታ እሙን እዩ።



እቲ እንእዝዘኩም ከኣ ትገብርዎ ኸም ዘሎኹምን ድሕሪ ሕጂ ኸም እትገብርዎን፡ ብዛዕባኻትኩም ኣብ ጐይታ እምነት ኣላትና።


ጐይታ ኸኣ ንልብኹም ናብ ፍቕሪ ኣምላኽን ናብ ትዕግስቲ ክርስቶስን የቕንዓዮ። [2ይ ተሰ 1፥1-5]






እግዚአብሔር ከም ቅዱሳን ኣቦታትና ናይ ምስትውዓልን ጥበብን ዓይንን እዝንን ልቡና የሃበና።



ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል


ወለወላዲቱ ድንግል


ወለመስቀሉ ክቡር አሜን!


15 Ansichten0 Kommentare
bottom of page