top of page

“ፍትሕዎ ወአምጽእዎ ሊተ/ ፈቲሕኩም ኣምጽኡለይ” (ማር. 11፥2)

እንቋዕ ናብ በዓለ ሆሣዕና ብሰላም ኣብጽሓና

“ፍትሕዎ ወአምጽእዎ ሊተ/ ፈቲሕኩም ኣምጽኡለይ”

(ማር. 11፥2)

ነዚ ኃይለ ቃል እዚ ዝተናገረ ባዕሉ ጐይታናን አምላክናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ነዚ ዝበለሉ ኣብ ዑደተ ሆሣዕና ማለት ምሥጢረ መንግሥቱ ኣብ ዝገለጸሉ እዋን ኮይኑ፣ ክልተ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ልኢኹ “ኣብ ቅድሜኹም ናብ ዘላ ዓዲ ኬድኩም ሰብ ዘይተወጠሖ ኣድጊ ክትረኽቡ ኢኹም ፈቲሕኩም ኣምጽኡለይ” ብምባል ብኣምሳል ምፍታሕ ናይታ ኣድጊ፣ ኵሉ ሰብ ካብ ማእሠረ ኃጢኣት ዝፍትሓሉ ናይ ድኅነት ጊዜ ከም ዝበጽሐ ንምርዳእ ዝተናገሮ ቃል እዩ። ኣብ ወንጌለ ማቴዎስ “ወዝ ኵሉ ዘኮነ ከመ ይትፈጸም ዘተብህለ በነቢይ/ እዚ ኵሉ ዝኾነ እቲ ብነቢይ ዝተባህለ ንኽፍጸም እዩ” (ማቴ. 21፥4) ብምባል ተጻሒፉ ከም ዘሎ፣ ብዛዕባ ሆሣዕና ኣቐዲሞም ነቢያት ዝተነበይሉ ምሳሌ ዝተመሰለሉ እዩ።


ትንቢት፦



ሀ. “የአስር በዓፀደ ወይን ዕዋሎ ወበዕፀ ዘይት አድጎ ወየሐፅብ በወይን አልባሲሁ ወበደመ አስካል ሰንዱኖ/ ንገልገሉ ኣብ ጕንዲ ወይኒ ንኣድጉ ከኣ ኣብ ሓረግ ወይኒ ይኣስር፣ ክዳውንቱ ብወይኒ፣ ነጸላኡ ድማ ብደም ወይኒ ይሓፅብ ” (ዘፍጥ. 49፥11) ይብል።



ለ. “ተፈሥሒ ፈድፋደ ወለተ ጽዮን ወተኃሠዪ ኢየሩሳሌም ናሁ ይመጽእ ንጉሥኪ ጻድቅ ወመድኅን ወየዋህ ውእቱ ወይፄዓን ዲበ አድግ ወዲበ ዕዋለ አድግ/ ኣቲ ጓል ጽዮን ኣዚኺ ተሓጐሲ፣ ኢየሩሳሌም እውን ባህ ይበልኪ፣ እንሆ ጻድቕን መድኃንን የዋህን ዝኾነ ንጉሥኪ ንሱ ኣብ ኣድግን ኣብ ገልገል ኣድግን ተወጢሑ ይመጽእ ኣሎ” (ዘካ. 9፥9) ይብል።



ሐ. “እምአፈ ደቂቅ ወሕፃናት አስተዳሎከ ስብሐተ/ ካብ ኣፍ ቈልዑን ሕፃናትን ምስጋና ኣዳሎኻ” (መዝ. 8፥2) ይብል።


መ. “በልዋ ለወለተ ጽዮን ነዋ ንጉሥኪ በጽሐ ወምስሌሁ ዕሤቱ ወምግባሩ ቅድመ ገጹ/ ንጓል ጽዮን እንሆ ንጉሥኪ መጺኡ ኣሎ፣ ዓስቡ ምስኡ ምግባሩ ድማ ኣብ ቅድሚ ገጹ እዩ በልዋ” (ኢሳ. 62፥10) ይብል።


ምሳሌ፦


ቀደም ነቢያት፣ ዘመነ ፀብእን መከራን እንተ ኾይኑ ጸሊም ክዳን ተኸዲኖም ጸሊም መጠምጠምያ ጌሮም ዘንጊ ኂዞም ኣብ ፈረስ ተወጢሖም ይረኣዩ ነበሩ። ዘመነ ሰላም እዩ ክብሉ ድማ ፃዕዳ ክዳን ተኸዲኖም፡ ፃዕዳ መጠምጠምያ ጌሮም፡ ዘንጊ ኂዞም፡ ኣብ ኣድጊ ተወጢሖም ይረኣዩ ነበሩ። ጐይታናን አምላክናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ካብ ደቂ አዳም ጠፊኣ ንዝነበረት ሰላም ብእኡ ከም እትምለስን ዘመነ ሰላም ከም ዝኸውንን ንኸረድእ፣ ከም ዝቐደሙ ነቢያት ኣብታ ምሳሌ ሰላም ዝኾነት ኣድጊ ተወጢሑ ዑደተ ሆሣዕና ኣርኣየ።



፩. ትርጕም ሆሣዕና



ሆሣዕና ማለት መድኃኒት ዝብል ትርጕም ዘለዎ እዩ። እዚ ገረብ ሆሣዕና እሾኽ ዘለዎን ጕንዱ ድማ ሓዊ ዘየንድዶን እዩ። ኣሻኽ ምዃኑ ትእምርተ ኃይል፣ ትእምርተ መዊዕ እዩ። ጐይታ ድማ ናይ ኃያላን ኃያል ኮይኑ ንጸላኢና ዲያብሎስ ብትሕትና ስዒሩ ብሞቱ ንሞት ደምሲሱ እዩ። ገረብ ሆሣዕና ሓዊ ከየንደዶ ተለብሊቡ ጥራይ ምትራፊ ከኣ ንጐይታ ባህርይኻ ኣይምርመርን’ዩ ንምባል እዩ። ናይ እግዚአብሔር ባህርይኡ ኣይምርመርን እዩ፤ ነዚ ድማ ከምቲ ወንጌላዊ ዮሐንስ ዝጸሓፎ “ለእግዚአብሔርሰ አልቦ ዘርእዮ ግሙራ አላ ወልድ ዋሕድ ዘሀሎ ውስተ ሕፅነ አቡሁ ውእቱ ነገረነ/ ንእግዚአብሔር ኣቦ ዝረኣዮ ሓደ እኳ የልቦን፣ እንተ ኾነ እቲ ኣብ ህልውና ኣቡኡ ዘሎ ወዱ ነገረና” ከም ዝብል እዩ። (ዮሐ. 1፥18) ስለዚ እዚ ቈጽሊ ሆሣዕና ከምቲ ትርጕሙ፣ ጐይታ ነቲ ደዌ ሥጋን ደዌ ነፍስን ሓሚሙ ዝነበረ አዳም ክፍውስን ከድኅንን ዝመጽአ መድኃኒት ዓለም ከም ዝኾነ ዝገልጽ እዩ። በዚ እያ እምበኣር ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ዓመት መጽአ ኣብ በዓለ ሆሣዕና ነቲ ብጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገብረልና ውዕለት እናዘከርና ንስኻ ኢኻ መድኃኒና እናበልና ከነኽብሮን ከነብዕሎን ነዚ ቈጽሊ ሆሣዕና ንሕዝበ ክርስቲያን ትዕድል።




፪. ታሪኽን ምሥጢራዊ ትርጕምን ዑደተ ሆሣዕና

ጐይታናን አምላክናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ቀረበ ኣብ ቤተ ፋጌ በጽሐ። ሽዑ ክልተ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንጴጥሮስን ዮሐንስን ለኣኸ። “ኣብ ቅድሜኹም ኣብ ዘላ ዓዲ ኪዱ ኣድጊ ምስ ገልገላ ተኣሲራ ክትረኽቡ ኢኹም እሞ ፈቲሕኩም ኣምጽኡለይ በሎም። እንታይ ትገብሩ ኣለኹም ዝብለኩም ሰብ እንተረኺብኩም፣ ጐይታኦም ይደልዮም ኣሎ በሉ፣ ሽዑ ከፋንዉኹም እዮም” በሎም። ደቀ መዛሙርቱ ከይዶም ከምቲ ጐይታ ዝኣዘዞም ገበሩ። ነታ ኣድጊ ምስ ገልገላ ኣምጽእሉ። ድኅር’ዚ፣ ልብሲ ኣብ ኣካል ንዘሎ ነውሪ ከም ዝሽፍን ከባቴ አበሳ (ሸፋኒ ነውሪ) ኢኻ ንኽብሉ ኣብ ዝባነን ክዳውንቶም ኣንጸፍሉ። ካብ ቢታንያ ክሳብ ቤተ መቅደስ 16 ምዕራፍ እዩ። ጐይታ ፍጹም ኣምላክ ፍጹም ሰብ ከም ዝኾነ ከረድእ ነቲ 14 ምዕራፍ ብእግሩ ከይዱ፣ ነቲ 2 ምዕራፍ ግና በታ ኣድጊ ከዶ። ነቲ ቤት መቅደስ ድማ በታ ገልገል ሠለስተ ጊዜ ዘይሩ ኣተወ። ናይዚ ምሳሌኡ 10 ናይ ዓሠርቱ ቃላት፡ 4 ከኣ ናይ ኣርባዕተ ኪዳናት ማለት (ኪዳነ ኖኅ፡ ክህነተ መልከጼዴቅ፡ ግዝረተ አብርሃም፡ ጥምቀተ ዮሐንስ)፣ ክልተ ናይ ፍቅረ እግዚአብሔርን ፍቅረ ቢጽን፣ 3 ጊዜ ምዛሩ ናይ ሠለስትነት ምሳሌ እዩ። ከምኡ ድማ ከምቲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንቤተ መቅደስ ብኣድጊ ዝዖደ ናይዚ ምሳሌ ሎሚ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ብኣርባዕተ መዓዝን ዑደት ይግበር ኣሎ።



እቶም ዝበዝኁ ሕዝቢ ድማ ክዳውንቶም ኣብ ጐደና ኣንጸፉ፣ እዚ ከኣ “ይትረፍ ንስኻ እታ ዝተወጣሕካያ ኣድጊ እኳ መሬት ክትረግጽ ኣይግበኣን እዩ” ክብሉ ዝገበርዎ እዩ። እቶም ካልኦት ድማ ስየ እናሰልዑ ኣብቲ ጐደና ኣንጸፍሉ። እቶም ዝመርሕዎን ዝስዕብዎን ዝነበሩ ሕዝቢ ከኣ “ሆሣዕና ለወልደ ዳዊት፣ ቡሩክ ዘይመጽእ በስመ እግዚአብሔር፣ ሆሣዕና በአርያም/ ሆሣዕና ንወዲ ዳዊት ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ቡሩኽ እዩ፣ ኣብ አርያም ዘሎ መድኃኒት” በሉ።(ማቴ. 21፥9) እዚ ከኣ እግዚአብሔር አብ “ንሱ ፍቱው ወደይ እዩ” ኢሉ መስኪርሉ ዝመጽአ ንሱ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መርገመ ሥጋን መርገመ ነፍስን ዘርሕቕ፣ በረከተ ሥጋን በረከተ ነፍስን ዝዕድል ናይ ባህርይ አምላኽ እዩ። ንዕኡ ንወዲ ዳዊት መድኃኒት ምባል ይግባእ እዩ ዝብል ትርጕም ኣለዎ።

ሊቃነ ካህናት ነቲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዕዉራንን ሓንካሳንን ዘሕወዮም ድንቂ ተኣምርን፣ ሕፃናት ድማ ሆሣዕና ለወልደ ዳዊት እናበሉ ዘመስገንዎ ሰሚዖም ኣዕዘምዘሙ ደኣ እምበር ባህ ኣይበሎምን። “እዞም ቈልዑ ዝብልዎስ ኣይትሰምዕን’ዶ፧” በልዎ። ጐይታ ከኣ “እወ፣ ካብ ኣፍ ቈልዑን ሕፃናትን ምስጋና ኣዳሎኻ” ዝብል’ዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም፧” በሎም። እዚ ድማ ነቲ ቅዱስ ዳዊት ዝተነበዮ ኣየንበብኩምን ዲኹም፧ እቲ ትንቢት እዩ ዝፍጸም ዘሎ ንምባል እዩ። ከምኡ ከኣ ጐይታ ነቶም ሕፃናት ሱቕ ዘየበሎም ብእኣቶም ገይሩ ክምህር ስለ ዝደለየ እዩ፣ በዚ ምኽንያት ምስ አብን መንፈስ ቅዱስን ብሓድነት ክምስገን ይግብኣኒ እዩ ክብል ስቕ በለ። ከምኡ’ውን “እዚኣቶም እኳ ሱቕ እንተ በሉ እዞም ኣእማን ከመስግኑኒ እዮም እብለኩም ኣለኹ፣ ኢሉ መለሰሎም” ከም ዝብል ኣእማን ከይተረፉ ኣመስገንዎ። (ሉቃ. 19፥40)



ከምቲ ቅዱስ ጎርጎርዮስ “እምሆሣዕናሁ ወሀበ ፈልፈለ አንብዕ ለኃጥአን ከመ ያጽድቆሙ ለጊጉያን ወያንጽሖሙ ለርኩሳን ወይሚጦሙ ለስሑታን ሆሣዕና በአርያም ሆሣዕና በአርያም ሆሣዕና በአርያም/ ጐይታ መድኃኒት ስለ ዝኾነ ንዝበደሉ ንኸጽድቖም፡ ንኃጥአን ካብ ኃጢኣቶም ንኸንጽሖም፡ ንዝሰሓቱ ብንስሓ ንኽመልሶም፣ ንኃጥአን ናይ ንስሓ ንብዓት ሃበ። ካብ አርያም ዝተረኽበ መድኃኒት እዚ እዩ። 3ተ ጊዜ ሆሣዕና በአርያም ምባሉ ናይ ሠለስትነት፣ እቲ ቃል ከይተለወጠ ሓደ ምዃኑ ከኣ ናይ ሓድነት ምሳሌ እዩ። ከምኡ’ውን 3ተ ጊዜ ቤተ መቅደስ ዘይሩ ከም ዝኣተወ ንምርዳእ እዩ።” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። (ትርጕም ቅዳሴ ጎርጎርዮስ ምዕራፍ 2፥17)


ከምኡ እውን ኣብ መጽሐፈ ግብረ ሕማማት ኣብ ሆሣዕና ዝንበብ ኣብ ክፍሊ 2ተ “ኦ እግዚእየ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘቦእከ ውስተ ምኵራብ ወሰደድኮሙ ለእለ ይሠይጡ አርጋበ ወትቤሎሙ ቤትየሰ ቤተ ጸሎት ይሰመይ አንትሙሰ ረሰይክምዎ በዓተ ፈያት ወሰረቅት። ስድድ እምልብየ ወነፍስየ ኵሎ መንፈሰ እከይ ወሐልዮ ምኑን። ወረስዮ ለልቡናየ ይኩን ቤተ ጸሎት ወአንቅሆሙ ለልብየ ወለሕሊናየ ኀበ ስብሐት ወባርኮት ለስምከ/ ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ቤተ መቅደስ ኣቲኻ ነቶም ረጋቢት ዝሸጡ፣ ቤተይ ቤት ጸሎት ክስመ ጽሑፍ እዩ፣ ንስኻትኩም ግና ቤት ሸፋቱን ሰረቕትን ገበርክምዎ ብምባል ከም ዝሰደድካዮም፣ ካብ ልበይን ነፍሰይን ኵሉ መንፈስ እከይን ዝተናዕቐ ሓሳባትን ኣርሕቕ። ንልበይ ከኣ ቤት ጸሎት ግበሮ፣ ከምኡ እውን ንልበይን ንሕልናይን ንስምካ ንምምስጋንን ንምኽባርን ኣንቅሓዮም” ብምባል ተጻሒፉ ከም ዘሎ፣ (ድርሳን ዘቅዱስ ወክቡር ስምዖን ዓምዳዊ)

ሎሚ ከኣ ንሕና ነቲ ጐይታናን አምላክናን መድኃኒናን ኢየሱስ ዝገበረልና ናይ ምድኃን ውዕለትን ናቱ ልዕልናን ብዝግባእ ተረዲእና፣ መድኃኒት ነፍስና ዝኾነና ናይ ንስሓ ሕይወት ክህልወና እንመሃረሉ ዓቢይ በዓል እዩ።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል፡ ወለወላዲቱ ማርያም ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር ወኃያል!!!


ምንጪ፥ ልሳን ተዋህዶ

1 Ansicht0 Kommentare
bottom of page