top of page

ኣብ ብዙሕ ምሻም እንታይ ማለት እዩ፧

ኣብ ብዙሕ ምሻም እንታይ ማለት እዩ፧



በዚ መልክዕ ዝተኣዘዝናዮ እና ተግበርና፡ ዝተዋሃብናዮ መክሊት ክነብዝሕ፡ ስለ ሃይማኖትና እንፈልጦ ዘበለ፡ ዝተመሃርናዮን ዝበጻሕናዮን ኩሉ ሰባት ምእንቲ ክፈልጥዎን ክበጽሕዎን ምጽዓር ናይ ኩላትና  ግዴታ እዩ። ኩሉ ሰብ ነናቱ ዝኾነ ጸጋ ኣለዎ። ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጽዎ ዘሎ በቲ ሓደ  መንፈስ ቅዱስ ዝወሃብን ዝዕደልን በበይኑ ዝኾነ ውህበት ኣሎ። እንተኾነ ነቲ ዝተዋህበና ውህበት ኣለሊና እንጥቀመሉ ክንደዮኖት ንኸውን፧ ብሓቂ ዝተፈላለየ ጸጋ ዝረኸብና ስልጣን  ተዓዲልና ከም መጠን ጸጋናን ዝተዋህበና ስልጣንን እንነብር ሰባት ኣሎና’ዶ፧ ንነፍሲ ወከፍ ርእሱ ክምርምር የድሊ። “ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ” ማለት ኣብ‘ዚ ምድራዊ ሕይወትና እናነበርና ከለና ኣብቲ ዝተዋህበና ጸጋ ጸኒዕና፡ ብሃይማኖትን ብግብርን ክርስቲያን ኮይና ምስ  እንርከብ ኣብ መንግስተ ሰማያት ድማ ቦታ ይህልወና፡ ወረስቲ ሰማያዊት ቤት ንኸውን ማለት እዩ። ነዚ ከመልክት እዩ ከኣ ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ  እየ ዝበለ ጎይታ። እንተኾነ ሰማያዊ ስፍራ ዝደሊ ሰብ፡ ኣብ ማሕበር መላእኽቲ ክርከብ፡ ዝማሬ መላእክቲ ክሰምዕ ዝደሊ ዘበለ ኩሉ ኣብ ምድራዊ ሕይወቱ እሙን ኮይኑ ምርካብ  የድልዮ። እግዚኣብሔር ዝኣዘዞ ኩሉ ሕግን ስርዓትን ክፍጽም፡ ነቲ ዝፈለጦ ድማ ሰባት በቲ ፍልጠት እቲ ዓብዮም እሙናት ኮይኖም ንኽነብሩ ክጽዕት ይግብኦ እዩ።

“ውሑድ” ተባሂሉ ዘሎ  ከምቲ ዝተገልጸ ምድራዊ ዕድመና እዩ። ቅዱስ ዳዊት ዕድመ ወዲ ሰብ ሰብዓ እንተ ነውሐ  ሰማንያ እዩ (መዝ 90፡10) ከም ዝበለ ዝነውሐ ዕድመ ኣብዚ ምድሪ ነይሩ ዝበሃል ማቱሳላ’ውን 969 ዓመት እዩ። እዚ ምስቲ ድሕሪ መፈጸምታ ዓለም  ዝኸውን እንተ ኣወዳዲርናዮ  ብጣዕሚ  ኣዝዩ ንእሽተይ እዩ። ነዚ እዩ ከኣ ጥበበኛ ሰሎሞን ካብቲ ብሕይወት እትነብሮስ ድሕሪ ሞት ዘሎ ግዜ ከም ዝነውሕ  ኣስተውዕል ክብል ዝተዛረበ። ስለዚ ኩሉ ኣብዚ ዓለም እነሕልፎ ግዜ ኩሉ ዋላ’ውን  እቲ መሪር ናይ ሞት እዋን’ውን እንተኾነ ምስቲ ኣብ ሰማይ ዝጽበየና ዘሎ ክብርን ናይ ሕይወት ናብራን ፈጺሙ ዝመዓራረ ኣይኮነን (ሮሜ 8፡28)። እዚ ምዃኑ ፈሊጥና እምበኣር ምእንቲ ኣብታ ዘይትሓልፍ መንግስቲ ቦታ ክንረክብ፡ ኣብታ ዘመን ዘይቁጸረላ ሃገር ከኣ  ክንነብር ኣብዛ ሓጻር ዕድመና እሙናት ንኹን (ገላ 4፡14, ዘዳ 32፡32, ዮሓ6፡9)።

ኣርእስቲ መዝሙር              ንባባት             መዝሙር

መኑ ውእቱ ገብርሔር      2ጢሞ 2፡1-16         መዝ 37፡21-22

1ጴጥ 5፡1-12

ግ.ሓዋ 1፡6-9

ማቴ 25፡14-31

ማቴ 24፡1-36

3 Ansichten0 Kommentare
bottom of page